Format
Häftad
Sidor
576 sidor
Språk
Tigrinska
Utgiven
jan. 2025
Jämför priser
Från 301 kr301 kr
301 kr
359 kr
Priserna uppdateras löpande från säkra och trygga butiker.
Om boken
ትረኻታት ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ዝበዝሕ ናብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ዘድሃበ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ብመትከል ርእሰ ምርኰሳ፡ ኣብ ሳሕል ዝመስረቶ ደጀን፡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ዝነበሮ ዓቢ ግደ ዛጊት ከምቲ ዝድለ ኣይተተረኸሉን። "ዘይተነግረ ገድሊ"፡ ንሓደ ክፋል ካብ ዕማማት ደጀን፡ ማለት ንጥፈታት ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት እትትርኽ ቀዳመይቲ ቅጺ ናይ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ "ተመኩሮ ክፍልታት ሰውራዊ ደጀን ሳሕል" እያ።
ኲናት ዘኸትሎ ማሕበራዊ ሽግራት ማእለያ የብሉን። ቁጠባውን ማሕበራውን ድሕረት ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ ብፍላይ እቲ ጾር ኣመና ከቢድ'ዩ። ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ህ.ግ.፡ ምስቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቐ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ሰፊሕ ግፍዒታት፡ ከምኡ'ውን ከቢድ ሳዕቤናት ኲናት (ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ስደት፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ዝኽትምና፡ ደርቂ፡ ጥሜት ወዘተ.) ተኣሳሲሩ፡ ብድሩት ዓቕሚ ውድብ፡ ነቲ ዝነበረ ጥንግናግ ማሕበራዊ ብድሆታት ንምግጣምን ንምቁጽጻርን ኣብ መፋርቕ 1970ታት ዝቘመ ክፍሊ እዩ።
"ዘይተነግረ ገድሊ"፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ነዚ ሰፍ ዘይብል ተልእኾ'ዚ ሒዙ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ውዳበኡን ንጥፈታቱን እናስፍሐን እናማዕበለን፡ ከመይ ገይሩ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዃን ከምዝበቕዐ፡ ነቲ ዝነበረ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምስጋር ዝተራእየ ጻዕርን ምብልሓትን እተዘንቱ እያ። እቶም ትሕዝቶን ዓቕሚን ከይደረተቶም፡ ልዑል ተወፋይነት፡ ኒሕን ሓልዮትን ዓጢቖም፣ ስንኩላን ብጾቶምን ካልኦት ግዳያት ኲናትን ብምሕብሓብ ጥራይ ዘይኮነ ነብሶም ክኢሎም ኣፍረይቲ ክኾኑ ዘኽኣልዎም ኣባላት ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘሐልፍዎ ህይወት ኣብዛ መጽሓፍ'ዚኣ ብስፍሓት ተተሪኹ ኣሎ።
Fler böcker av Solomon Berhe
Liknande böcker
Alla i Historia och arkeologiBästa pris301 kr
Gå till butik